5 ቀርኒ መለኸት ብዘይ ምቍራፅ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፥ እቲ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም፥ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ድምፂ የስምዕ። ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ ኽወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በበቲ ዘለዎ ኽኣቱ እዩ” በሎ።
እቲ ድምፂ መለኸት ከዓ የመና ምስ በርትዐን ምስ ፀንዐን፥ ሙሴ ተዛረበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብድምፂ መለሰሉ።
ነቲ ዝተዓረደን ልዕል ንዝበለ ፅኑዕ ቅፅርኻን ትሕት ከብሎን፥ ከዋርዶን እዩ፤ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኽድርብዮ እዩ።
በታ ዕርድታት ዝወድቁላ፥ ዓባይ መዓልቲ ህልቀት፥ ካብ ኵለን ነዋሕቲ እምባታትን በረኽቲ ዀረብታታትን፥ ሩባታትን ወሓዝትን ክውሕዙ እዮም።
ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
ቅፅሪ ኢያሪኮ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፥ ብእምነት ፈረሰ።
በቲ ሻውዓይ ጊዜ፥ እቶም ካህናት ቀርኒ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ ዓው ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዑ፥ ዓው ኢሎምውን ድምፂ ምስ ኣስምዑ፥ እቲ መንደቕ ፈረሰ። ነፍሲ ወከፍ በብዘለዎ ደዪቡ ናብታ ኸተማ ሰተት ኢሉ ኣተወ፤ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ።
ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ቕድሚ ታቦት ኮይኖም ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዙርዋ፤ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ፀዊዑ፦ “ታቦት ቃል ኪዳን ፁሩ፤ ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ” በሎም።
እቶም ሕቡኣት ተዋጋእቲ ድማ ብጕያ ናብ ገባዖን ጥሒሶም ኣትዮም፥ ንህዝቢ እታ ኸተማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም።
ንፅባሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተስአ፤ ነተን ኣባጊዕ ምስ ሓላዊ ሓዲግወን፥ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፥ ፆሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኽስለፍ ዝወፀ ሰራዊት ንውግእ ክፍክር እንተሎ ድማ፥ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መፀ።
ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከዓ ተሲኦም ፈከሩ እሞ፥ ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ደገታት ኣቃሮንን ኣሳጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መንገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ኣቃሮንን ተወጊኦም ወደቑ።
እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፥ ኵሎም እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እትናወፅ ብዙሕ ዓለሉ።