3 ኵሎም ተዋጋእትኹም፥ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ይዙርዋ፤ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ኸምኡ ግበሩ።
ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ድማ ንዅሉ እቲ መዕቘሪ ማይ ዙርያኡ ዝኸብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፥ ምስሊ እቶም ኣብዑር ከዓ ኽልተ መስርዕ ኮይኑ ምስቲ መዕቘሪ ማይ ብዝፈሰሰ ነሃስ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።
ኣብ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይትዓምፁ እምበር፥ ንሳቶም ከም እንጀራ ክኾኑልና እዮም እሞ፥ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅላሎም ካብኣቶም ተቐንጢጡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳና እዩ። ስለዙይ ኣይትፍርሕዎም” ኢሎም ተዛረብዎም።
ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።
ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ኣዞሮ፤ ንሳቶም ከዓ ናብቲ ሰፈር ተመሊሶም ኣብኡ ሓደሩ።
በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ዘይሮም፥ ናብ ሰፈር ተመለሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ረአ! ንኢያሪኮን ንንጉሳን ነቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።
ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ቕድሚ ታቦት ኮይኖም ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዙርዋ፤ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።
ነቶም ህዝቢ ድማ “ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፤ ኵሉ ኸዓ ብሰልፊ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ” በሎም።