26 በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ “ንኸተማ ኢያሪኮ ኽሰርሓ ኢሉ ዝለዓል ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ንኣኣ እንትስርት በዅሪ ወዱ፥ ደገታታ እንተቕውም ከዓ እቲ ንእሽተይ ወዱ ይጥፋእ” ኢሉ መሓለ።
ብዘመን ኣክኣብ ከዓ ኣኪኤል በዓል ቤቴል ንኢያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢያሱ ወዲ ነዌ ዝተዛረቦ ቓል ድማ ኽስርታ እንተሎ ብኣቢሮን በዅሪ ወዱ መስረታ፤ በቲ ንእሽተይ ወዱ ብሰጉብ ድማ በሪታታ ኣቖመ።
እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
ኤልያስ ከዓ “ኣታ ኤልሳዕ፥ እግዚኣብሄር ናብ ኢያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ብህያው እግዚኣብሄርን ብህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ፤ ናብ ኢያሪኮ ኸዓ በፅሑ።
ኤዶማውያን “ንሕና ፈሪስና ኢና፤ ግና ነቲ ዝፈረሰ መሊስና ኽንሓንፆ ኢና” እንተ በሉ እኳ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንሳቶም ይሰርሑ፥ ኣነ ግና ኸፍርሶ እየ። ‘ብሰባትውን፥ ወሰን በደልን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝተቘጥዖም ህዝብን’ ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።”
ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ።
እናዞሩ ኻብ ሰብ ኣጋንንቲ እናውፅኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ፥ ብስም ኢየሱስ ክትወፁ ንእዝዘኩም ኣለና” እናበሉ፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክፅውዑሎም ፈተኑ።
ካብ ኢያኖክ ኸዓ ናብ ዓጣሮትን ናብ ንዓራትን ይወርድ፤ ናብ ኢያሪኮ በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ።