Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 6:25 - መፅሓፍ ቅዱስ

25 እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ንኢያሪኮ ኽስልሉ ኢያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብአቶም፥ ኢያሱ ንኣኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደጎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብ ማእኸል እስራኤላውያን ትነብር ኣላ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 6:25
11 Referencias Cruzadas  

ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥


ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’


ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት ነቶም ሰለልቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።


ከምኡ ኸዓ እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መንገዲውን ምስ ኣውፅአቶም፥ ብተግባርዶ ኣይፀደቐትን?


ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።


ንስኺ ድማ ኸምዙይ ግበሪ፦ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ እንተለና፥ ነዝ ቐይሕ ገመድ እዙይ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ንኖኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺ እውን ናብዙይ ናብ ገዛኺ ኣክቢዮም።


እታ ሰበይቲ ግና ነቶም ክልተ ሰባት ወሲዳ ሓብአቶም፤ ከምዙይ ኢላ ድማ መለሰት፦ “እወ፥ ሰባት ናብ ገዛይ ኣትዮም ነይሮም፤ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን።


ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ገዛኣ ኣደዪባ፥ ኣብቲ ኣብኡ ተዀሚሩ ዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓቢኣቶም ነበረት።


ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos