23 እቶም ዝሰለሉ ኣጕባዝ ኣትዮም ንረኣብን ነቦኣን ንኖኣን ነሕዋታን ንዘለዋ ዅሉን ኣውፅኡ፤ ንዅሎም ዓሌታታውን ኣውፅኡ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር እስራኤላውያን ድማ ኣቐመጥዎም።
ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።
ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ፃድቃን እንተ ተረኽቡ፥ ብርግፅዶ ኽተጥፍኦም ኢኻ? ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ፃድቃን ኢልካ እኳዶ ነታ ቦታ ኣይትምሕራን?
እግዚኣብሄር ከዓ ነተን ኣብ ጐላጕል ዝነበራ ኸተማታት ክግልብጠን እንተሎ፥ ንኣብርሃም ዘከሮ። ንሎጥ ድማ ኻብቲ ነተን ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ዝገልበጠን ጥፍኣት ኣድሓኖ።
“ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ፥ ዝተቐትለውን ዝነኽአ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ሰፈር ወፂኡ ይፅናሕ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ርእሶም የንፅሁ።
“ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብ፥ ምስ ካልእ ህዝቢ ኽሕወስ ወይ ናብ ገዛኣቶም ክኣቱ፥ ግቡእ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና፥ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፅየፍ፥ ወይ ‘ርኹስ እዩ’ ኸይብል እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ።
‘ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር፥ ደው ክትብል ኢኻ፤ እንሆ ነቶም ምሳኻ ዝጐዓዙ ዅላቶምውን፥ እግዚኣብሄር ሂቡካ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍራሕ’ በለኒ።
ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ንዘለዉ ዝፈርድ እንታይ ኣእትዩኒ? ንስኻትኩም፥ ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትና ዘለዉዶ ኣይኮንኩምን ክትፈርዱ ዘለኩም?
ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፥ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸዓ፥ ብዘይ እግዚኣብሄር እትነብሩ፥ ተስፋ ዘይብልኩም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።
ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት ነቶም ሰለልቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።
ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።
“እቶም ዝደልዩኹም ዘለዉ ኸይረኽቡኹምስ ናብ ጎቦታት ኣቢልኩም ኪዱ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ። ድሕሪኡ መንገድኹም ቀፅሉ” በለቶም።
ንስኺ ድማ ኸምዙይ ግበሪ፦ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ እንተለና፥ ነዝ ቐይሕ ገመድ እዙይ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ንኖኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺ እውን ናብዙይ ናብ ገዛኺ ኣክቢዮም።
መእተዊ እታ ኸተማ ኸዓ ኣርኣዮም፤ ነቶም ህዝቢ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ክኸዱ ሓደግዎም።