Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 6:22 - መፅሓፍ ቅዱስ

22 ኢያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለሉ ኽልተ ሰባት፥ “ናብ ገዛ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፥ ከምቲ ዝመሓልኩምላ፥ ነታ ሰበይትን ነቶም ምስኣ ዘለዉ ሰባን ካብኡ ኣውፅእዎም” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 6:22
13 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ንጉስ ንገባዖናውያን ፀዊዑ ተዛረቦም። (ገባዖናውያን ካብቶም ኣሞራውያን ተሪፎም ዝነበሩ እዮም እምበር፥ ካብ ወገን ደቂ እስራኤል ኣይኮኑን። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸየጥፍእዎም ምሒሎምሎም ነበሩ። ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፥ ከጥፍኦም ፈቲኑ ነበረ።)


እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።


ክፉእ ነገር ኣብ ቅድሚኡ ዝተንዓቐ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ዘኽብር፥ ንብፃዩ ምሒሉ ዘይጠልም፥


እታ መንግስቲ ኽትሓምቕ እሞ ኸይትትስእ፥ ብምሕላው ኪዳና ኸዓ ምእንቲ ኽትቀውምስ፥ ካብ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ወሲዱ፥ ምስኡ ኺዳን ኣተወ፤ ማሕላ ድማ ኣምሓሎ፤ ነቶም ኣውራታት እታ ምድሪ እውን ምስኡ ወሰዶም።


“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዝነብረላ ዘሎ ቦታ፥ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ ኺዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፥ ምስኡ ኾይኑ ኣብ ማእኸል ባቢሎን ኣብኣ ኽመውት እዩ።


ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት ነቶም ሰለልቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።


እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕሩም ይኹን። እታ ኣመንዝራ ረኣብ ጥራሕ ነቶም ዝሰደድናዮም ሰለልቲ ስለ ዝሓብአቶም፥ ንሳን ኣብ ገዛኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይንበሩ።


እቶም ዝሰለሉ ኣጕባዝ ኣትዮም ንረኣብን ነቦኣን ንኖኣን ነሕዋታን ንዘለዋ ዅሉን ኣውፅኡ፤ ንዅሎም ዓሌታታውን ኣውፅኡ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር እስራኤላውያን ድማ ኣቐመጥዎም።


ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ፤ ብህይወት ክሓድጎም ከዓ ቃል ኺዳን ኣተወሎም። ኣሕሉቕ እስራኤልውን መሓሉሎም።


መእተዊ እታ ኸተማ ኸዓ ኣርኣዮም፤ ነቶም ህዝቢ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ክኸዱ ሓደግዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos