17 እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕሩም ይኹን። እታ ኣመንዝራ ረኣብ ጥራሕ ነቶም ዝሰደድናዮም ሰለልቲ ስለ ዝሓብአቶም፥ ንሳን ኣብ ገዛኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይንበሩ።
ንዝባርኹኻ ኽባርኾም፥ ንዝረግሙኻ ድማ ኽረግሞም እየ፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።”
ከም ምኽሪ እቶም ኣሕሉቕን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመፀ፥ ገንዘቡ ይወረስ፤ ንሱ ድማ ኻብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወፁ ይፈለ ተብሂሉ ተኣወጀ።
እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ድማ ብዙሕ ሕሩድ ክገብር እዩ እሞ፥ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተኣሊኻ ኣላ፤ ብስብሕን ብደም ጡበታትን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ማጓሉን ከዓ ተሸፊና ኣላ።
እታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተፃረርቱ ሕነ ምእንቲ ኽፈድዮም፥ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ፤ ሰይፊ ኸዓ ኽሳዕ ዝፀግብ ክበልዕ፥ ብደሞምውን ክሰክር እዩ፤ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥ ንዅሎም ኣራዊት በረኻን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ተኣኻኺብኩም ንዑ፤ ስጋ ኽትበልዑ ደም ከዓ ኽትሰትዩስ፥ ናብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ፥ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣኻኸቡ።’
ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ምስ ወፀት፥ እታ ግራት ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየት ቅድስቲ ትኹን፤ ርስቲ ኻህናት ከዓ ትኹን።
ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ።
እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።
ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ!
ንሕናስ፥ እቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ፥ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር ንዝኾነ፥ ጥበብ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ።
“ነቲ ዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ዘይፍፅም፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ምፍፃም ሕጊ ዝተኣማመኑ ዅሎም፥ ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።
ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ “እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዝፍፅም፥ ብእኡ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ” ይብል።
ንኬጢያውያንን ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ንሔዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ግና፥ ከምቲ ዅሉ ንኣማልኽቶም ዝገብርዎ ርኽሰቶም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም።
ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት ነቶም ሰለልቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
ከምኡ ኸዓ እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መንገዲውን ምስ ኣውፅአቶም፥ ብተግባርዶ ኣይፀደቐትን?
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።
ንሳቶም ከዓ ወፂኦም ናብቲ ጎቦታት ከዱ፤ እቶም ዝደልይዎም ዝነበሩ ልኡኻት ንጉስ ቀቢፆም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፤ እቶም ዝደለይዎም ሰባትውን ደልዮም ኣይረኸብዎምን።
ደቂ እስራኤል ግና በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ። ኣካን፥ ወዲ ከርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ።
ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።
ሳኦል ድማ ንቄናውያን “ንስኻትኩም ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ምሕረት ጌርኩምሎም ኢኹም እሞ፥ ምስኣቶም ከየጥፍአኩምስ ኪዱ፤ ካብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውፁ” በሎም። ቄናውያን ከዓ ኻብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈለዩ።