14 በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ዘይሮም፥ ናብ ሰፈር ተመለሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።
ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ኣዞሮ፤ ንሳቶም ከዓ ናብቲ ሰፈር ተመሊሶም ኣብኡ ሓደሩ።
እቶም ሸውዓተ ኻህናትውን ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም፥ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፥ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ተሰለፍቲ ዝኾኑ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ከዱ፤ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ ድማ እቶም ዝተረፉ ተሰለፍቲ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕቡ ነበሩ።
በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፥ ሸውዓተ ሻዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ እዮም ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዝዞርዋ።
ኵሎም ተዋጋእትኹም፥ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ይዙርዋ፤ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ኸምኡ ግበሩ።