13 እቶም ሸውዓተ ኻህናትውን ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም፥ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፥ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ተሰለፍቲ ዝኾኑ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ከዱ፤ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ ድማ እቶም ዝተረፉ ተሰለፍቲ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕቡ ነበሩ።
ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን፥ እግዚኣብሄር ምስ ሓገዞም ሸውዓተ ኣዕሩሕን ሸውዓተ ማጓሉን ሰውኡ።
እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ።
እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
ንፅባሒቱ ኢያሱ ኣንጊሁ ተስአ፤ እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ፆርዎ።
በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ዘይሮም፥ ናብ ሰፈር ተመለሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።
ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ቕድሚ ታቦት ኮይኖም ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዙርዋ፤ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።
እቶም ኣፅዋር ዝሓዙ ድማ ብሰልፊ ቐቅድሚ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ይኸዱ ነበሩ። እቶም ካህናትውን መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ድማ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ።