6 ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ።
ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል በሉ፤ ናይቲ ዝነብሩሉ ኸተማውን መንገዲ ኣይረኸቡን።
ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።
ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።
“ኪድሞ ኣብ ኣእዛን ኢየሩሳሌም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ድምፂ ኣስምዕ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጀሎም” በለኒ። “ፍቕሪ ንእስነትክን፥ መርዓት እንተለኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፥ ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን፥ ከም ዝተኸተልክኒ፥ እዝክር ኣለኹ።”
ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፤ እምባታት ሓድሽ ወይኒ ኸንጠብጥቡ፥ ኰረብታታት ድማ ፀባ ኸውሕዙ፥ ካብ ኵሉ ሩባታት ይሁዳ ኸዓ ማያት ከውሕዙ እዮም፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክትፍልፍል፥ ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ።
ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም።
ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ሙሴ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ክነግሮም ዝኣዘዞ ተዛረበ።
ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ሩባ ዘሬድ እንሳገር ዝተጕዓዝናሉ ዘመን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎም ትውልዲ እቶም ሰልፈኛታት ክሳዕ ዝጠፍእ፥ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ኮነ።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ተግባር ኢድኩም ባሪኹኩም እዩ፤ በዝ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ክትጕዓዙ እንተለኹምውን ሓልዩኩም እዩ። በዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ነበረ፤ ሓደ እኳ ኣየጕደለልኩምን።”
በዘን ኣርብዓ ዓመታት ክዳንኩም ኣይበለየን፤ እግርኹም እውን ኣይሓበጠን።
ብቝጥዓይ ድማ፥ ‘ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም’ ኢለ መሓልኩ።”
“እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ።
ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ኣብ መንጎኣቶምን ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ድማ ፀልማት ገበርኩ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ ናብ ልዕሊኣቶም ሰዲደ ደፈንክዎም። እቲ ንግብፃውያን ዝገበርኩዎ በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ነዊሕ ዘመን ነበርኩም።
እቶም ዝወፁ ህዝቢ ኵሎም ግሩዛት እዮም ነይሮም፤ እቶም ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዝተወለዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገረዙን ነበሩ።
ነቶም ክንዳኣቶም ዘተስኦም ደቆም ከዓ፥ ኣብ መንገዲ ስለ ዘይተገረዙ፥ ዘይግሩዛት ኮይኖም ነበሩ እሞ፥ ኢያሱ ገረዞም።