5 እቶም ዝወፁ ህዝቢ ኵሎም ግሩዛት እዮም ነይሮም፤ እቶም ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዝተወለዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገረዙን ነበሩ።
ግና ‘ካብ መስዋእቲ፥ ምሕረት እፈቱ’ ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተ እትፈልጡስ፥ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምዎምን ኔርኩም፤
እምበኣር እቲ ዘይግሩዝ፥ ነቲ ትእዛዝ ሕጊ እንተ ሓልይዎ፥ እቲ ዘይምግራዙ ኸም ግርዘት ኮይኑዶ፥ ኣይቝፀረሉን እዩ?
ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን።
ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ዝጠቕሞ የብሉን።
ምኽንያቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ፥ ኵሎም ተባዕትዮ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ሞቱ።
ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ።