15 እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ኸምኡ ገበረ።
እግዚኣብሄር ድማ “ናብዙይ ኣይትቕረብ፤ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ።
ኢያሪኮ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ፈፂማ ተዓፅያ ነበረት። ካብኣ ዝወፅእ ኾነ ናብኣ ዝኣቱ ኣይነበረን።
ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ እንተለና ኸዓ፥ እዝ ድምፂ እዙይ ካብ ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ንሕና ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና።