10 ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ።
እነሆ፥ እቲ ወረ ዝነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ኽፀንሕ እየ” በሎ።
ክትበልዕዎ እንተለኹም ከዓ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኣእቲኹም፥ ኣብትርትኹም ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ እዩ።
በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፥ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ቅጫ ብልዑ።
ክሳዕ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸዓ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ።
ሰራዊት ባቢሎናውያን ግና እናጐየዩ ሰዓብዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣብ በረኻ ኢያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ኣብ ሃገር ሓማት ናብ እትርከብ ሪብላ ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆርውን ኣብኡ ፈረዶ።
ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም ስደተኛ ዄንኻ ጓዓዝ ኣዳሉ እሞ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ተልዓል። ዓማፂ ቤት እዮም እሞ፥ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ገዓዝ።
ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።
ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”
እቶም ህዝቢ ድማ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ወፁ፤ ብወሰን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጌልገላ ኸዓ ሰፈሩ።
ፅባሕ እታ ፋሲካ ድማ፥ ካብ ፍረ እኽሊ እታ ምድሪ፥ ቅጫን ቆሎን በልዑ።
ኢያሱ ሰፊርዎ ናብ ዘሎ ናብ ጌልገላ ኸይዶም ከዓ፥ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና፥ ሕዚ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም።
ዓመት ዓመት ከዓ ናብ ቤቴልን ጌልጌላን ምፅጳን ይዘውር ነበረ፤ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከዓ ንደቂ እስራኤል ይፈርዶም ነበረ።