9 ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።
ንሱ ድማ ነቲ ዒላ “ሳቤህ” ኢሉ ሰመዮ። ስለዙይውን እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ “ቤርሳቤህ ተብሂላ” ትፅዋዕ ኣላ።
ያእቆብ ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነታ ተተርኢሱዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ኸም ሓወልቲ ኽትከውን ኣቖማ፤ ኣብ ርእሳ ኸዓ ዘይቲ ኣፍሰሰላ።
እቶም ቀዳሞት ብኤሮታውያን ግና ናብ ጌቴም ሃዲሞም ከዱ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።
ኤልያስ ድማ፥ ሽምካ እስራኤል ክበሃል እዩ፥ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሉ ያእቆብ፥ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ወሰደ።
እቲ መፃውራት ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ መቕደስ ኴንካ ይረአ ነበረ፤ ብወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ኣብኡ ኸዓ ፅናሕ፤ ፅላት እምንን ነቲ ንህዝቢ ኽትምህሮም ኢለ ኣብኡ ዝፀሓፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ” በሎ።
እቲ ኣእማን ድማ፥ ብቝፅሪ ስም ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ይኹን። ስም ናይ ነፍሲ ወከፍ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ ከዓ፥ ኣብቲ ኣእማን ከም ቅርፂ ማሕተም ይፀሓፍ።
ስለዙይ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ “ግራት ደም” ትብሃል ኣላ።
ንሳቶም ድማ ገንዘብ ተቐቢሎም፥ ከምቲ ዝነገርዎም ገበሩ። እዝ ነገርዙይ ክሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ኣይሁድ ይንገር ኣሎ።
እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፥ ኣብ መንፅር ቤት ፌጎር ዘሎ ለሰ ቐበሮ። ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸዓ ንመቓብሩ ዝፈለጦ ሰብ የለን።
ኢያሱ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ፀሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ዳዕሮ ኣቖሞ።
እቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ንህዝቢ ኽነግር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር፥ ከምቲ ሙሴ ንኢያሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እቶም ታቦት ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ቆሙ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ቐልጢፎም ተሳገሩ።
እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ኬጢያውያን ከይዱ ኸተማ ኣጣየሸ፤ ሎዛ ኢሉ ድማ ሰመያ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ሎዛ ትበሃል ኣላ።
ዳዊት ድማ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዙይ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ።
ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ምፅጳን ሼንን ኣንበሮ፤ “እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ረድአና” እንትብል ድማ፥ ኣቤንዔዘር ኢሉ ሰመዮ።