8 ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ኢያሱ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝበሎ ድማ ብቝፅሪ ነገዳት እስራኤል ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዒሎም ናብቲ ዝሓድሩሉ ቦታ ወሰዱ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣንበርዎም።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
ሙሴ ድማ ንዅሉ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ፀሓፎ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ኣብ እግሪ እቲ እምባ መሰውኢ ሰርሐ፤ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓምዲ እምኒ ንነፍሲ ወከፎም ሰርሐ።
ኢያሱ ድማ ነቶም ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎም ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብ ጌልገላ ኣቖሞም።
ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።