Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 4:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ሽዑ ንስኻትኩም ‘ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ብዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ምውራድ ኣቋረፀ እሞ፥ እዞም ኣእማን እዚኣቶም ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም መዘከርታ እዮም’ ትብልዎም” ድማ በሎም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 4:7
11 Referencias Cruzadas  

ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበረ፤ እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ።


ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።


ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብቲ መንኰብ ኤፉድ ግበሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽዝክሮም ድማ ኣሮን ንስማቶም ይፁሮ።


ነቲ ቤዛ ነፍሲ ዝኽፈል ገንዘብ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ተቐቢልካ፥ ንኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣውዕሎ። እዝ ገንዘብ እዙይ ከዓ፥ ኣነ ምእንቲ ኽሕልዎም፥ ኣብ ቅድመይ ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን እዩ።”


“ግና እቲ ብዕራይ ዝስውአለይ፥ ሰብ ከም ዝቐተለ እዩ፤ ጡቦት በጊዕ ዝስውአለይ፥ ክሳድ ከልቢ ኸም ዝሰብር እዩ፤ እቲ ቍርባን እኽሊ ዘቕርበለይ፥ ደም ሓሰማ ኸም ዘቕርበለይ እዩ፤ እቲ ዕጣን ዝዓጥነለይ፥ ንጣዖት ከም ዘመስግን እዩ። እዚኣቶም መንገዲ ርእሶም ሓረዩ፤ ነፍሶም ድማ ብርኽሰቶም ደስ ይብላ።


ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ።


በትሪ ናይቲ ዝሓረኽዎ ሰብ ክትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ኣባኻትኩም ዘጕረምርምዎ ዘለዉ ድማ፥ ካባይ ከጥፍኦ እየ” በሎ።


ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።


ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ፥ ናይ መከራ ቕጫ ምስኡ ብልዑ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ ነታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽትዝክርዋ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትብልዑ።


እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ንምልክት ክኸውን እዩ፤ ደቅኹም ብዝመፅእ ጊዜ ‘ናይዝ ኣእማን እዙይ ነገር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንትጥይቑኹም፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos