Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 4:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ንምልክት ክኸውን እዩ፤ ደቅኹም ብዝመፅእ ጊዜ ‘ናይዝ ኣእማን እዙይ ነገር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንትጥይቑኹም፥

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 4:6
19 Referencias Cruzadas  

ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።


ነቲ ዝመፅእ ትውልዲ፥ ቅልፅምካን ሓይልኻን ፅድቅኻን፥ ክሳዕ ዝነግር፥ ክሳዕ ዝኣርግን ዝሽምግልን፥ ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ።


ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።


“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።


እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።


“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰንበታተይ ኣኽብሩ። ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዚኣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹም መለለዪ ትኹንኩም።


ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።


ክንዲ እሾዅ ኦም ፅሕዲ፥ ክንዲ ኣምዐ ድማ ፀፆ፥ ክበቍል እዩ፤ እዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር መዘከርታን፥ ንዘለኣለም ዘይጠፍእ ምልክትን ክኸውን እዩ።”


ኣብ ርእሲ እዙይ ከዓ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኣቶምን ምልክት ምእንቲ ክኾና ኢለ ሰናብተይ ሃብክዎም።


ንሰናብተይ ቀድሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ክኾና እየን።


ነቲ ፅንሃሃትውን ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ነቲ መሰውኢ ኸዓ ብእኡ ይለብጥዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ምልክት ይኹን።”


እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም።


ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፥ ኣብ መንገዲ ኽትከዱ እንተለኹምን ኣብ ምድቃስኩምን ኣብ ምትሳእኹምን ብእኡ እናተዛረብኩም፥ ንደቅኹም መሃርዎም።


ንመፃኢ ግና ደቅኹም ንደቅና “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ምእንቲ ኸይብልዎም ንእግዚኣብሄር ብዝቃፀል መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ምስጋናን ኣብ መቕደሱ ኸም እነምልኾ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ብድሕሬና ኸዓ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ምእንቲ ክኸውን ነዝ መሰውኢ እዙይ ነደቕና።


ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደቅኹም ብዝመፅእ ዘመን፥ ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ እዮም?’ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፥


ኢያሱውን በሎም፦ “ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእኸል ዮርዳኖስ ሕለፉ፤ ብቝፅሪ ነገድ እስራኤል ከዓ፥ ሓድሓደ እምኒ ኣብ ማእገሩ ይሸከም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos