4 ሽዑ ኢያሱ ኻብ ደቂ እስራኤል፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ነቶም ሓርይዎም ዝነበረ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ፀውዖም።
ሕዚ ድማ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓደ ሓደ ሰብ፥ ምረፁ።
“ካብ ማእኸል ህዝቢ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ምረፁ፤
‘ካብዙይ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዕሉ፤ ተሰኪምኩምውን፥ ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።
ኢያሱውን በሎም፦ “ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእኸል ዮርዳኖስ ሕለፉ፤ ብቝፅሪ ነገድ እስራኤል ከዓ፥ ሓድሓደ እምኒ ኣብ ማእገሩ ይሸከም።