Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 4:23 - መፅሓፍ ቅዱስ

23 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ እንሳገር ዘንቀፆ ኸምኡ ኸዓ ንዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 4:23
8 Referencias Cruzadas  

ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ።


ነቲ ባሕሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ንኽልተ ሰንጠቕካዮ፤ ንቑፅ እናረገፁ ኸዓ ብእኡ ሓለፉ። ነቶም ዝስዕብዎም ግና ኣብ ማዕበል ማያት ደርበኻዮም፤ ከም እምኒ ድማ ኣብ መዓሙቕ ሰጠሙ።


ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፤ ንማይ ከዓ ኸም ኵምራ ኣቖሞ።


ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ።


ኣፍራስ ፈርዖን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተዉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኣቶም መለሶ፤ ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ሓለፉ።


ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጐደና፥ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከዓ፥ መሰጋገሪ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos