21 ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደቅኹም ብዝመፅእ ዘመን፥ ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ እዮም?’ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፥
“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።
ኢያሱ ድማ ነቶም ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎም ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብ ጌልገላ ኣቖሞም።
‘ህዝቢ እስራኤል ነዝ ዮርዳኖስ እዙይ ብንቑፅ ከም ዝተሳገርዎ ምልክት እዩ።’
እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ንምልክት ክኸውን እዩ፤ ደቅኹም ብዝመፅእ ጊዜ ‘ናይዝ ኣእማን እዙይ ነገር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንትጥይቑኹም፥