20 ኢያሱ ድማ ነቶም ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎም ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብ ጌልገላ ኣቖሞም።
ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደቅኹም ብዝመፅእ ዘመን፥ ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ እዮም?’ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፥
‘ካብዙይ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዕሉ፤ ተሰኪምኩምውን፥ ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ኢያሱ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝበሎ ድማ ብቝፅሪ ነገዳት እስራኤል ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዒሎም ናብቲ ዝሓድሩሉ ቦታ ወሰዱ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣንበርዎም።