Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 4:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ወፂኦም፥ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ምስ ረገፃ፥ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ ኸም ቀደሙ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ወሓዘ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 4:18
8 Referencias Cruzadas  

እቶም በታ መጀመርታ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወሰና ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ እንተላ ዝተሳገሩ፥ ነቶም ኣብ ለሰታት ዝነብሩ ዅሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጕዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።


ናብ ይሁዳ ኣዕለቕሊቑ ኽኣቱ፥ ካብ ልዕሊ ገማግሙ ወፂኡ እናሓለፈውን፥ ክሳዕ ክሳድ ክበፅሕ እዩ።” ኦ ኣማኑኤል ምዝርጋሕ ኣኽናፉ፥ ንስፍሓት ሃገርካ ክትመልእ እያ።


ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።”


እቲ ወርሓት፥ እዋን ዓፂድ ብምዃኑ፥ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ። ግና እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋሮም ድማ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፥


ኵሉ እቲ ህዝቢ መሊኡ ምስ ተሳገረ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄርን ካህናትን፥ እቲ ህዝቢ እናረአዮም ተሳገሩ።


ኢያሱ ድማ ነቶም ካህናት ካብ ዮርዳኖስ ውፁ ኢሉ ኣዘዞም።


እቶም ህዝቢ ድማ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ወፁ፤ ብወሰን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጌልገላ ኸዓ ሰፈሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos