17 ኢያሱ ድማ ነቶም ካህናት ካብ ዮርዳኖስ ውፁ ኢሉ ኣዘዞም።
ድሕሪዙይ ናቡከደነፆር ናብ ኣፍ እቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ “ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፥ ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንዑ ናብዙይ ውፁ” ኢሉ ፀውዖም። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ሓዊ ወፁ።
ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ኣፅኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ።
እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ወፂኦም፥ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ምስ ረገፃ፥ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ ኸም ቀደሙ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ወሓዘ።