15-16 እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነቶም ታቦት ምስክር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ክወፁ ኣዝዞም” በሎ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ። ከምቲ ንሙሴ ዝፈርሕዎውን ዕድመ ልክዑ ፈርሕዎ።