መፅሓፍ ኢያሱ 4:12 - መፅሓፍ ቅዱስ12 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴንውን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ። Ver Capítulo |
ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም።