Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 4:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴንውን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 4:12
9 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።


ካብ ጋድ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥


ንሕና ግና፥ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ኣፅዋር ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ደቅና በቶም ደቂ ዓዲ ምእንቲ ኸይፈርሑ ኣብ ዕሩዳት ከተማታት ይቀመጡ።


“በታ ጊዜ እቲኣ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትወርስዋ ሂቡኩም እዩ፤ ሰብ ሓይሊ ዝኾንኩም ኣፅዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።


ግደ ሓለቓ ኣብኡ ተዓቚሩ ነበረ እሞ፥ እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ንባዕሉ መረፀ፤ ምስ ኣሕሉቕ ህዝቢ መፀ፤ ምስ እስራኤል ኮይኑ ኸዓ ፅድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈፀመ።”


ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም።


ኵሉ እቲ ህዝቢ መሊኡ ምስ ተሳገረ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄርን ካህናትን፥ እቲ ህዝቢ እናረአዮም ተሳገሩ።


ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ዝኾኑ ኣፅዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ኽዋግኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሳገሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos