10 እቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ንህዝቢ ኽነግር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር፥ ከምቲ ሙሴ ንኢያሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እቶም ታቦት ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ቆሙ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ቐልጢፎም ተሳገሩ።
ትእዛዛትካ ንምሕላው ጨከንኩ እምበር፥ ኣይደንጐኹን።
እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅእዎ ብሑቕ ኣይበዅዐን ነበረ እሞ ኻብኡ ቕጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ስለ ዝተሰጐጉ ስንቆም ከዳልዉ ጊዜ ኣይነበሮምን።
መዓልቲ ዘምፅኦ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ፅባሕ ብዝኸውን ኣይትመካሕ።
ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣብ ፅዮን እምኒ መሰረት፥ ፍቱን እምኒ፥ ድልዱል ዝመሰረቱ፥ ክቡር እምኒ መዓዝን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን እዩ።
“ብሕርይቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ” ኸም ዝብሎ፥ እንሆ፥ እታ ሕርይቲ ሰዓት ሕዚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድሓንውን ሕዚ እያ።
ሙሴ ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ፅሒፉ፥ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ደቂ ሌዊን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም።
ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።
ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።”
ኵሉ እቲ ህዝቢ መሊኡ ምስ ተሳገረ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄርን ካህናትን፥ እቲ ህዝቢ እናረአዮም ተሳገሩ።
ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።