1 ኵሉ እቲ ህዝቢ ንፈለግ ዮርዳኖስ ፈፂሙ ምስ ተሳገረ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ፦
ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበኩም ምድሪ፥ በታ ንፈለግ ዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣቑሙ እሞ፥ ብኖራ ለቕልቕዎ።
ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።
ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ንፈለግ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሮ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ ቐጥ ኢሎም ቆይሞም ነበሩ።