9 ኢያሱ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ናብዙይ ቅረቡ እሞ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑ።
“ከምዝ ሎሚ እንገብሮ ዘለና፥ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ ዝተርኣዮ ኣይግበር፤
“ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል! ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ኣነ ኽትገብርዎ ኢለ ዝምህረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ።
ኢያሱውን በለ፦ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ንሱ ኸዓ ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንኤዋውያንን ንፈሪዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈፂሙ ኸም ዝሰጎም፥ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤
ነቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ከዓ ‘ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ በፃሕኹም ኣብ ውሽጢ ዮርዳኖስ ቁሙ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።