7 እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ዅሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ኽጅምር እየ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ልዕል ኣበሎን ኣግነኖን። ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም ግርማ መንግስቲ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ሃቦ።
ሰሎሞን ወዲ ዳዊት መንግስቱ ኣፅኒዑ ሓዘ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረውን የመና ኣዕበዮ።
“ንኽተኽብሮ ልብኻውን ንኽትህቦ፥ ሰብ እንታይ እዩ?
ንድሕነተይውን መተኣማመኒ ሂብካኒ፤ የማነይትኻውን ትድግፈኒ፤ ትምህርትኻውን ንዘለኣለም የፅንዐኒ፤ ዝምህረኒውን ተግሳፅካ እዩ።
ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ! እንሆ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ ወድኻ ምእንቲ ከኽብረካስ፥ ንወድኻ ኣኽብሮ፤
እዙይ ሃረርታይን ተስፋይን እዩሞ፥ ብምንም ኣይሓፍርን እየ። ሕዚ እውን እንተ ኾነ፥ ከምቲ ዅልሻዕ፥ እንተስ ብህይወት እንተስ ብሞት፥ ንክርስቶስ ብስጋይ ከኽብሮ እየ።
ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ ዝተኣዘዝናዮ፥ ንኣኻውን ክንእዘዘካ ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ኸምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፥ ምሳኻውን ይኹን።
ኣብ ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፥ ምሳኻውን ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ።
ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
ሽዑ ነቶም ካህናት፥ “ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ኺዱ” በሎም። ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪሞም ከዓ ቐቅድሚ ህዝቢ ሓለፉ።
ነቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ከዓ ‘ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ በፃሕኹም ኣብ ውሽጢ ዮርዳኖስ ቁሙ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ። ከምቲ ንሙሴ ዝፈርሕዎውን ዕድመ ልክዑ ፈርሕዎ።