6 ሽዑ ነቶም ካህናት፥ “ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ኺዱ” በሎም። ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪሞም ከዓ ቐቅድሚ ህዝቢ ሓለፉ።
ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መፁ ኸዓ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።
ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ ተኣከቡ ኸዓ፥ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።
እቲ ሰባሪ ወፂኡ ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ፤ ንሳቶምውን ሰይሮም ናብቲ በሪ ይሓልፉ፤ ብእኡውን ይወፁ። እግዚኣብሄር እናመርሖም ንጉሶም ቀቅድሚኣቶም ክኸይድ እዩ።”
ካብ እምባ እግዚኣብሄር ተልዒሎም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጕዓዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ንሳቶም ዝዓርፉላ ቦታ ኽደልየሎም በተን ሰለስተ መዓልቲ እቲኣተን ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።
ሕዚ ኸዓ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ንዅሎም ብሓደ ጊዜ እንተ ኣጥፋእኻዮም፥ ሽዑ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፥
ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ፥ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ።
ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፆይሮምዎ ምስ ረአኹም፥ ንስኻትኩም ድማ ኻብ ሰፈርኩም ተልዒልኩም ሰዓብዎ።
ኢያሱ ነቶም ህዝቢ፥ “እግዚኣብሄር ፅባሕ ኣብ ማእኸልኩም ዘገርም ነገር ክገብር እዩ እሞ፥ ተቐደሱ” በሎም።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ዅሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ኽጅምር እየ።
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ፀዊዑ፦ “ታቦት ቃል ኪዳን ፁሩ፤ ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ” በሎም።