5 ኢያሱ ነቶም ህዝቢ፥ “እግዚኣብሄር ፅባሕ ኣብ ማእኸልኩም ዘገርም ነገር ክገብር እዩ እሞ፥ ተቐደሱ” በሎም።
እተን ንምሳሕ ዝእከቡለን መዓልቲታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ ኢዮብ ምናልባት ደቀይ በዲሎም ንእግዚኣብሄርውን ብልቦም ፀሪፎም ይኾኑ እናበለ ፀዊዑ ይቕድሶም ነበረ፤ ኣንጊሁ ተሲኡ ብቝፅሪ ነፍሲ ወከፎም ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ ነበረ፤ ኵሉ ጊዜውን ከምዙይ ይገብር ነበረ።
ንደቂ ያእቆብን ዮሴፍን ህዝብኻ፥ ብቕልፅምካ ተቤዘኻዮም።
ኦ ጐይታ፥ ተኣምራት እትገብር ንስኻ ዓብዪ ኢኻ እሞ፥ ንስኻ በይንኻ ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻሞ።
ህዝቢ ኣክቡ፤ ነቲ ጉባኤውን ቀድሱ፤ ንኣረጋውያን ኣክቡ፤ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉ ህፃናትን ኣክቡ፤ መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ፥ መርዓት ከዓ ኻብ መጋረጃኣ ይውፅኡ።
ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየሞ፥ ስለዙይ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።
እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ። ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይወቕጥዎ፤ ኣብ ቍራዕ የብስልዎ፤ ቅጫውን ይገብርዎ ነበሩ። ጣዕሙውን ብዘይቲ ኸም ዝተሰንከተ ቕጫ ይጥዕም ነበረ።
ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ።
ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።”
እቲ ወርሓት፥ እዋን ዓፂድ ብምዃኑ፥ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ። ግና እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋሮም ድማ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፥
እዛ መንገዲ እዚኣ ቕድሚ ሕዚ ኣይሓለፍኩምዋን እሞ፥ እታ እትኸድዋ መንገዲ ንኽትፈልጡ፥ ካብቲ ታቦት ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቢልኩም ረሓቑ እምበር ኣይትቕረብዎ።”
ሽዑ ነቶም ካህናት፥ “ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ኺዱ” በሎም። ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪሞም ከዓ ቐቅድሚ ህዝቢ ሓለፉ።
“ተስእ እሞ ነቶም ህዝቢ ቐድሶም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ዝተሓረመ ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ፤ ነቲ ዝተሓረመ ኻብ ማእኸልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
ሳሙኤል ድማ “ብሰላም እየ፤ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ እየ መፂአ። ተቐደሱ እሞ ምሳይ ናብቲ መስዋእቲ ንዑናይ” በሎም። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፤ ናብቲ መስዋእቲ ድማ ፀውዖም።