Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 3:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 እዛ መንገዲ እዚኣ ቕድሚ ሕዚ ኣይሓለፍኩምዋን እሞ፥ እታ እትኸድዋ መንገዲ ንኽትፈልጡ፥ ካብቲ ታቦት ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቢልኩም ረሓቑ እምበር ኣይትቕረብዎ።”

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 3:4
12 Referencias Cruzadas  

ገፅ ላባውን ከም ቀደሙ ኸም ዘይኮነ ረአየ።


ካብ ቀደምውን ሳኦል ነጊሱ እንተሎ፥ ንእስራኤል እተእቱን እተውፅእን ዝነበርካ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልውን መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ዝበለካ ንኣኻ እዩ።”


ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ መን እዩ? በቲ ንሱ ዝመረፆ መንገዲ ይመርሖ።


እግዚኣብሄር ኣብ ምኽሪ ቕዱሳን፥ ክቡር እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ብዘለዉ ዅላቶም፥ የመና ዓቢይን ግሩምን እዩ።


ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበረሎም። ‘ናብቲ እምባ ኸይትድይቡ፥ ወይ ነቲ እግሪ እምባ ኸይትነኽእዎ ተጠንቀቑ’ ድማ በሎም። ነቲ እምባ ዝነኽኦ ዅሉ ብርግፅ ክመውት እዩ።


እግዚኣብሄር ድማ “ናብዙይ ኣይትቕረብ፤ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ።


ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።


ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።


እግዚኣብሄር፥ እቲ ተቤዛዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዝጠቕመካ ነገር ዝምህረካን፥ በታ እትኸደላ መንገዲ ዝመርሐካን፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።


ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፆይሮምዎ ምስ ረአኹም፥ ንስኻትኩም ድማ ኻብ ሰፈርኩም ተልዒልኩም ሰዓብዎ።


ኢያሱ ነቶም ህዝቢ፥ “እግዚኣብሄር ፅባሕ ኣብ ማእኸልኩም ዘገርም ነገር ክገብር እዩ እሞ፥ ተቐደሱ” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos