17 ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ንፈለግ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሮ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ ቐጥ ኢሎም ቆይሞም ነበሩ።
ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፤ ናብዙይን ናብቱይን ድማ ተመቕለ፤ ክልቲኦም ድማ ብንቑፅ ተሳገሩ።
ንባሕሪ ንቑፅ ምድሪ ዝገበራ፥ ንሩባውን በእጋሮም ሰገርዎ፤ ኣብኡ ብእኡ ደስ ይብለና።
ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ።
ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑፅ ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከዓ ብየማንን ፀጋምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ምድሪ ሓለፉ፤ እቲ ማይ ከዓ ብየማኖምን ብፀጋሞምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥
ደቂ እስራኤል፥ ንባሕሪ ኤርትራ ኸም ንቑፅ ምድሪ፥ ብእምነት ተሳገርዋ፤ ግብፃውያን ግና፥ ከምኡ ኽገብሩ ምስ ፈተኑ ተውሒጦም ተረፉ።
ኵሉ እቲ ህዝቢ ንፈለግ ዮርዳኖስ ፈፂሙ ምስ ተሳገረ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ፦
እቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ንህዝቢ ኽነግር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር፥ ከምቲ ሙሴ ንኢያሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እቶም ታቦት ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ቆሙ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ቐልጢፎም ተሳገሩ።
ኵሉ እቲ ህዝቢ መሊኡ ምስ ተሳገረ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄርን ካህናትን፥ እቲ ህዝቢ እናረአዮም ተሳገሩ።
‘ህዝቢ እስራኤል ነዝ ዮርዳኖስ እዙይ ብንቑፅ ከም ዝተሳገርዎ ምልክት እዩ።’
‘ካብዙይ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዕሉ፤ ተሰኪምኩምውን፥ ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።
ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን፥ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነዓናውያንን፥ ደቂ እስራኤል ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገርዎ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ማይ ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀፆ ምስ ሰምዑ፥ ብፍርሓት ልቦም መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ነፍሲ ኣይተረፈሎምን።