Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 3:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 እቲ ወርሓት፥ እዋን ዓፂድ ብምዃኑ፥ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ። ግና እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋሮም ድማ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፥

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 3:15
12 Referencias Cruzadas  

ኤልያስ ድማ “እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ክኸይድ ልኢኹኒ ኣሎ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ፤” በለ፤ ክልቲኦም ከዓ ኸዱ።


እቶም በታ መጀመርታ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወሰና ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ እንተላ ዝተሳገሩ፥ ነቶም ኣብ ለሰታት ዝነብሩ ዅሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጕዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።


ካብ ደቂ ብንያምን ይሁዳን ከዓ ናብ ዳዊት፥ ናብቲ እምባ መፁ።


እግሪ፥ ኣእጋር ድኻታትን፥ ስጕምቲ ፅጉማትን ክትረግፃ እያ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ኻብ ኣድከሙኻ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ፥ ክትቀዳደም ኢኻ? ኣብ ሰላም ሃገር ካብ ተኣመንካ፥ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣ፥ እንታይ ክትገብር ኢኻ?


እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?


ንባሕሪ ይግስፃን የንቅፃን፤ ንዅሎም ሩባታት የንፅፎም፤ ባሳንን ቀርሜሎስን ፀምለዉ፤ ዕምበባ ሊባኖስውን ረገፈ።


ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።”


እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ወፂኦም፥ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ምስ ረገፃ፥ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ ኸም ቀደሙ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ወሓዘ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos