14 ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ክሳገሩ ከካብ ድንኳናቶም ምስ ወፁ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ቀቅድሚ እቶም ህዝቢ ይኸዱ ነበሩ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻን ታቦት መቕደስካን፥ ናብ ዕረፍትኻ ተስእ።
በቲ ዘመን እቱይ ምስ በዛሕኹምን ኣብቲ ምድሪ ኸዓ ምስ ተፋረኹምን፥ ብናይ ታቦት ኪዳነይ ኣይዛረቡን፤ ኣይሓስብዎን፥ ኣይዝክርዎን ድማ እዮም። ኣየድልዮምን እዩ፤ ከም ብሓድሽውን ኪዳን ታቦት ኣይስራሕን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ነዝ መፅሓፍ እዙይ ወሲድኩም ኣብ ጥቓ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንምስክር ይኹንኩም።
ኣብ ውሽጣ ብወርቂ ዝተሰርሐ ማዕጠንትን፥ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። ኣብ ውሽጣ መና ዝሓዘት መሶበ ወርቅን፥ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን፥ ፅላት ኪዳንን ዝሓዘት ነበረት።
ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።
ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፆይሮምዎ ምስ ረአኹም፥ ንስኻትኩም ድማ ኻብ ሰፈርኩም ተልዒልኩም ሰዓብዎ።
ሽዑ ነቶም ካህናት፥ “ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ኺዱ” በሎም። ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪሞም ከዓ ቐቅድሚ ህዝቢ ሓለፉ።
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ፀዊዑ፦ “ታቦት ቃል ኪዳን ፁሩ፤ ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ” በሎም።