12 ሕዚ ድማ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓደ ሓደ ሰብ፥ ምረፁ።
“ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ዝስልሉ ሰባት ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓድሓደ ሰብ ስደድ። ኵሎም ካብቶም ሹመኛታቶም ይኹኑ” በሎ።
ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።”
“ካብ ማእኸል ህዝቢ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ምረፁ፤
ሽዑ ኢያሱ ኻብ ደቂ እስራኤል፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ነቶም ሓርይዎም ዝነበረ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ፀውዖም።
ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።