9 ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ።
ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”
ባላቅ ወዲ ሴፎር ድማ፥ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዅሉ ረአየ።
ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ልኡኻት ሰዲዶም፦ ‘በይዛኻ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ። ንጉስ ኤዶምያስ ግና ኣይፈቐደን። ናብ ንጉስ ሞኣብ ከዓ ለኣኹ፤ ንሱውን ኣበየ እሞ፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጡ።
ሕዚ ኸዓ ንስኻ ኻብ ባላቅ ወዲ ሴፌር ንጉስ ሞኣብዶ ትበልፅ ኢኻ? ንሱ ምስ ደቂ እስራኤልዶ ተባኢሱ እዩ? ወይ ምስኣቶምዶ ተዋጊኡ እዩ?