8 ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእተኹኹም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፤ ምድሮም ድማ ወረስኩም፤ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእኽዎም።
“መንግስታትን ሃገራትን ከፊልካ ሃብካዮም፤ ንጉስ ሴዎን ዝገዝኣ ሃገር ሓሴቦንን ንጉስ ዓግ ዝገዝኣ ባሳንን ወረሱ።
መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ።
ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም።
“ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ።
ሴዎን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኽዋግአና ናብ የሃፅ ወፀ።
ከምኡውን ኣብታ ምድሪ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሓሴቦን ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥