7 ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ኣብ መንጎኣቶምን ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ድማ ፀልማት ገበርኩ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ ናብ ልዕሊኣቶም ሰዲደ ደፈንክዎም። እቲ ንግብፃውያን ዝገበርኩዎ በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ነዊሕ ዘመን ነበርኩም።
ፈርዖን ምስ ቀረበ፥ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፤ እንሆ ግብፃውያን ደድሕሪኣቶም ከም ዝገስገሱ ምስ ረአዩ የመና ፈርሑ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተማህለሉ።
ናብ መንጎ ግብፃውያንን ደቂ እስራኤልን ድማ ኣተወ። በቱይ ወገን ደመናን ፀልማትን ነበረ፤ በዙይ ወገን ግና ነቲ ለይቲ ኣብርሆ። ስለዙይ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን።
ደቂ እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ዝገበሮ ዓብዪ ኢድ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ፈርሕዎ። ብእግዚኣብሄርውን ኣመኑ፤ ብባርያኡ ሙሴውን ኣመኑ።
ስለዙይ ከም መጠን እቲ ዝተቐመጥኩምሉ ዘመን፥ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም።
ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ሩባ ዘሬድ እንሳገር ዝተጕዓዝናሉ ዘመን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎም ትውልዲ እቶም ሰልፈኛታት ክሳዕ ዝጠፍእ፥ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ኮነ።
ሙሴ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ ንፈርዖንን ንዅሎም ሹመኛታቱን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም።
ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?
ነርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖምከ እንመን እዮም? እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ፥ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን?
ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ።