30 ኣብ ወሰን ርስቱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብታ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ ዘላ ኣብ ተምናሴራ ድማ ቐበርዎ።
በናያስ በዓል ጲርዓቶን፥ ሂዳይ ካብ ሩባታት ገዓስ፥
ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ ኸተማ ቲምናት ሴራ ሃብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፤ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ።
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ፥ ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።
ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ።
ካብኣ ንዀረብታታት ኤፍሬም ሓሊፎም፥ ናብ ቤት ሚካ ኸዱ።
ኣብታ ወሰን ርስቱ፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ፥ ኣብ ቲምናት ሔረስ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ድማ ቐበርዎ።