29 ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ፥ ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።
ዮሴፍ ምስ ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦኡ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ። ዮሴፍ ክመውት እንተሎ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነበረ።
ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብምዑዝ ቅብኢ ድማ ደረዝዎ፥ ኣብ ሳፁን ገይሮም ከዓ ኣብ ግብፂ ኣንበርዎ።
ኦ ጐይታ፥ ምዉታት ዘመስግኑኻ ኣይኮኑን፤ ኵላቶም ናብ ሲኦል ዝወርዱውን ከምኡ።
ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ።
ሽዑ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ነናብ ርስቶም ሰደዶም።
ኣብ ወሰን ርስቱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብታ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ ዘላ ኣብ ተምናሴራ ድማ ቐበርዎ።
ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።
ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።
ኣብታ ወሰን ርስቱ፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ፥ ኣብ ቲምናት ሔረስ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ድማ ቐበርዎ።