26 ኢያሱ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ፀሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ዳዕሮ ኣቖሞ።
ያእቆብ ከዓ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ተኸለ።
ንሳቶም ከዓ ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎም ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ዅትሻታትን ንያእቆብ ሃብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ።
መጕዚት ርብቃ ዝነበረት ዲቦራ ድማ ሞተት፤ ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብዪ ኦም ድማ ተቐበረት። “ኦም ብኽያት” ኢሎም ከዓ ሰመይዎ።
ሙሴ ድማ ንዅሉ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ፀሓፎ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ኣብ እግሪ እቲ እምባ መሰውኢ ሰርሐ፤ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓምዲ እምኒ ንነፍሲ ወከፎም ሰርሐ።
ኵሎም ሰብ ሴኬምን ኵሎም ቤት ሚሎንን ተኣከቡ፤ ከይዶም ከዓ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ዝምለኽ ዓብዪ ኦም፥ ኣንገስዎ።
ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ምፅጳን ሼንን ኣንበሮ፤ “እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ረድአና” እንትብል ድማ፥ ኣቤንዔዘር ኢሉ ሰመዮ።