25 ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቶም ህዝቢ ቓል ኪዳን ኣተወ፤ ሕግን ፍርድን ከዓ ኣብ ሴኬም ኣቖመሎም።
ንሳቶም ከዓ ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎም ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ዅትሻታትን ንያእቆብ ሃብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ።
ዮዳሄ ድማ እቶም ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ቃል ኪዳን ገበረ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብንውን ቃል ኪዳን ገበረ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ከምልኽዎ ኸዓ ቓል ኪዳን ኣተዉ።
ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸዓ፥ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፤ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ንእግዚኣብሄር ደለይዎ፤ ንሱውን ተረኽበሎም፤ ኣብ ዙርያኦምውን ዕረፍቲ ሃቦም።
ዮዳሄ ድማ ንሱን እቶም ህዝብን እቲ ንጉስን እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ ኺዳን ኣቖመ።
ሕዚ ግና እቲ ጕሁር ቍጥዓ ኻባና ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ብልበይ ሓሲበ ኣለኹ።
በዝ ዅሉ ዝወረደና ድማ ብፅሑፍ ቃል ኪዳን ንኣቱ ኣለና፤ ኣሕሉቕናን ሌዋውያንን ከዓ ማሕተሞም ይገብሩሉ ኣለዉ።”
ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ሓንቲ ዕንፀይቲ ኣርኣዮ፤ ንሱ ድማ ናብቲ ማይ ደርበያ፤ እቲ ማይ ከዓ ጠዓመ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፤ ኣብኡ ኸዓ ፈተኖም።
ሙሴ ድማ መፂኡ ነቶም ህዝቢ፥ ኵሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ኵሉ ሕግጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ድምፂ “እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ንገብር” ኢሎም መለሱሉ።
እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ኮሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከዓ ንሙሴ ምስኣቶም ክኣቱ ዝኣዘዞ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ።
ኢያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም። ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ።
ኢያሱ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ፀሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ዳዕሮ ኣቖሞ።