23 “እምበኣር ሕዝስ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣወግድዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፥ ምሳና ይኹን፤ ኣይሕደገናን ኣይደርብየናንውን።
እቲ ነቦታትና ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ስርዓታቱን ክንሕሉ፥ ብዅሉ መንገድታቱ ኽንከይድ፥ ንእኡውን ክንእዘዝ ንልብና ናብኡ የዘንብሎ።
ልበይ ናብ ስስዐ ዘይኮነስ፥ ናብ ምስክርነትካ ኣዘምብሎ።
ዓመፅ ምስ ዝገብሩ ሰባት ንሓጢኣት ምኽንያት ከይህብ፥ ምስቶም ሕሩያቶምውን ከይተሓባበር፥ ንልበይ ናብ ክፉእ ነገር ኣይትመልሶ።
ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኻ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ኣነውን ክመልኦ እየ።”
ብዘይ ዘኣይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።
እዝንኻ ናብ ጥበብ እንተ ኣቕለብካ፥ ልብኻ ናብ ምስትውዓል እንተ መለስካ፥
ካብ ደጊም፥ ጣዖት ንኤፍሬም እንታይ እዩ? ኣነ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ናብኡ ድማ ኽጥምት እየ። ኣነ ኸም ዝለምለመ ፅሕዲ እየ፤ ፍረኻውን ኣባይ እዩ ዝርከብ።
“ሕዚ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ብፍፁምነትን ብቕኑዕ ልብውን ኣምልኽዎ፤ ነቶም ኣብ ሰገር ሩባን ኣብ ግብፅን ኣቦታትኩም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣወጊድኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምልኹ።