2 ነቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀዳሞት ኣቦታትኩም፥ ኣቦ ኣብርሃምን ናኮርን ዝኾነ ታራ እንተይተረፈ፥ ኣብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ይቕመጡ ነበሩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።
ሴሮሕ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንናኮር ወለደ።
ናኮር ወዲ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንታራ ወለደ።
ታራ ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ።
ትውልዲ ታራ ኸምዙይ እዩ፦ ታራ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ፤ ሓራን ድማ ንሎጥ ወለደ።
ላባ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ከይዱ ነበረ፤ ሽዑ ራሄል ጣዖታት ኣቦኣ ሰረቐት።
ሕዚ ኸዓ ቤት ኣቦኻ ኻብ ናፈቕካ ኺድ፤ ንኣማልኽተይ ግና ስለ ምንታይ ሰረቕካዮም?” በሎ።
ንኣማልኽትኻ ዝወሰደ እንተ ሃልዩ ግና ንሱ ይቀተል። ናትካ ዝኾነ ምሳይ እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣዝማድና ጐርጒርካ ውሰድ” ኢሉ መለሰሉ። ነቶም ኣማልኽቲ፥ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ያእቆብ ኣይፈለጠን ነበረ።
ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናኮርን፥ ኣምላኽ ኣቦኣቶምን፥ ኣብ መንጎና ይፍረድ” በሎ። ያእቆብ ድማ በቲ ብፍርሓት ኣቦኡ ይስሓቅ መሓለ።
ንሳቶም ከዓ ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎም ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ዅትሻታትን ንያእቆብ ሃብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ።
ታራ ኣብርሃም ንዝተብሃለ ንኣብራም፥ ወለደ።
ናብ ኣቦኻትኩም ኣብርሃምን፥ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ተመልከቱ። ሓደ በይኑ እንተሎ ፀዋዕኽዎ፤ ኣነ ኸዓ ባረኽክዎን ኣብዛሕኽዎን።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከምዙይ ይብል ኣሎውን በላ፦ “ዘርእኽን ትውልድኽን ካብ ምድሪ ከነዓናውያን እዩ፤ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፤ እኖኺ ኸዓ ኬጢያዊት እያ።
ወዲ ያእቆብ፥ ወዲ ይስሓቅ፥ ወዲ ኣብርሃም፥ ወዲ ታራ፥ ወዲ ናኮር፥
ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፦ ‘ኣቦና ኸርተት ዝብል ሶርያዊ ነበረ፤ ንሱን ስድራኡን ናብ ግብፂ እንትወርዱ፥ ቍፅሮም ውሑድ ነበረ፤ ስደተኛታት ኮይኖምውን ኣብኣ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ኸዓ ዓቢይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾኑ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”