Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 24:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአና፥ ዓበይቲ ተኣምራት ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መንገድን ኣብቶም ብማእኸሎም ዝሓለፍና ዅሎም ኣህዛብንውን ዝሓለወና፥ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩሞ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 24:17
14 Referencias Cruzadas  

“ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሕናውን ኣይሓደግናዮን። እቶም መገልገልቲ እግዚኣብሄር ኻብ ደቂ ኣሮን ካህናቱን ሌዋውያኑንውን፤ ብስራሖም ምሳና እዮም።


“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።


ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅኢኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ምድሪ ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክርዋ፤ ዝበዅዐ፥ ከቶ ኣይትብልዑ።


እቲ ኣብ ግብፃውያን ዝገበርክዎን፥ በኽናፍ ንስሪ ፀይረ ናባይ ከም ዘምፃእኹኹምን፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።


ክሳዕ እርጋንኩም ኣነ እየ፤ ክሳዕ ሲበትውን ክፆረኩም እየ፤ ኣነ ገበርኩኹም፥ ኣነውን ከተስእ እየ፤ ኣነ ኽፆረኩምን፥ ከድሕነኩምን እየ።


ሙሴ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ ንፈርዖንን ንዅሎም ሹመኛታቱን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም።


ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ፤ ያእቆብ ድማ ኽፍሊ ርስቱ እዩ።”


ነቲ ኣዒንትኹም ዝረአያኦ ዓበይቲ መቕሰፍትታትን ምልክታትን ተኣምራትን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኣኣ ዘውፅአኩም ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልፅምን ኣፀቢቕኩም ዘክሩ። ነዞም ኵሎም እትፈርሕዎም ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኽገብሮም እዩ።


ሽዑ እቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ ካባና ይርሓቕ።


ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምን ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ካብ ቅድሜና ዝሰጐጎም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፥ ንሕናውን ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” ኢሎም መለሱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos