Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 24:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 24:15
22 Referencias Cruzadas  

ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”


ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎምን “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ንፁሃትውን ኩኑ፤ ክዳውንትኹም ድማ ለውጡ።


ኤልያስ ድማ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብኽልተ ሓሳብ እትሕንክሱ? እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፤ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣምላኽ ከዓ ንእኡ ሰዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።


ንኬጢን፥ ንኢያቡሳውያንን፥ ንኣሞራውያንን፥


ንፁህ መንገዲ ኸስተውዕል እየ፤ ናባይ መኣዝ ክትመፅእ ኢኻ? ኣብ ማእኸል ቤተይ ብንፁህ ልቢ ኽመላለስ እየ።


ንፍርድታት ፅድቅኻ ክሕሉ መሓልኩ፤ ኣፅናዕኽዎውን።


“ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ። ነቶም ብዙሓት ወጊንካ ፍርዲ ንምቕይናን ኣይትመስክር።


ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን፤ ከምቲ ዝገብርዎ ኸዓ ኣይትግበር። እኳ ደኣ ኣጥፍኣዮም፤ ነቲ ቕዱስ ዝብልዎ ናይ ኣምልኾ እምኒ ኣዕምዶም ከዓ ሰባብሮ።


ደድሕሪ ኣማልኽቶም እንትስዕቡን ንኣማልኽቶም ክስውኡ እንተለዉን ከይዕድሙኹም እሞ ኻብ መስዋእቶም ምእንቲ ኸይትበልዑ፥ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ፥ ኪዳን ኣይትእተዉ።


ኣቱም ቤት እስራኤል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስማዕ ካብ ኣበኹምንስ፥ ኪዱ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣዖታትኩም ኣምልኹ፤ ድሕሪዙይ ግና ንቕዱስ ስመይ ብመባእኹምን ብጣዖታትኩምን ኣይተርክስዎን ኢኹም።


ንሱ ኸድሕነና እንተ ዘይደለየውን፥ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾምን፥ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ ድማ ኸም ዘይንሰግደሉን ፍለጥ” በልዎ።


ክንዲ እቲ ዘውፅእዎ ኣእማን ድማ ኻልእ ኣእማን ወሲዶም ይተክእዎ። ካልእ መሬት ወሲዶም ከዓ ነታ ገዛ ይለቕልቕዋ።


ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣማልኽቶም ክመላለሱ እዮም፤ ንሕናውን ብስም ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።


ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።


ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን፥ ኣብ ጥቓኻ ኾነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፥ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ንዘምልኽዎም ኣማልኽቲ ነምልኽ ኢሉ እንተ ደፋፍአካ፥


እምበኣር ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ዓሌት ኮነ ነገድ፥ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ኸይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፥ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቍል ሱር ጣዖት ከዓ ኸይርከበኩም ተጠንቀቑ።


ሽዑ እቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ ካባና ይርሓቕ።


ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ሃገሮም ወሪስኩምዎም ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርሕዎም ኢለኩም ነይረ፤ ንስኻትኩም ግና ቓለይ ኣይሰማዕኹምን’ ” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos