13 ዘይፀዓርኩምላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሃብኩኹም፤ ኣብኣተን ከዓ ትነብሩ ኣለኹም፤ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ በላዕኹም።
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።
ፃድቕ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርስ፤ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ይዕቈረሉ።
“ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምድሮም ዝህበኩም ኣህዛብ፥ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስኩምዎም፥ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥኩም፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ፍርያም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ። ንሳ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጥሮታትን ኣብ ጎቦታትን፥ ዝፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፥
ብዘይ እታ ኢያሱ ዘንደዳ ሓፆር፥ ደቂ እስራኤል ነተን ኣብ ደጕዓ ዝነበራ ኸተማታት ኣየንደድወንን።
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።