Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 24:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 24:11
25 Referencias Cruzadas  

ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቀድሞናውያንን


ሃገራት ኣህዛብውን ሃቦም፤ ንናይ ባዕዲ ድኻምውን ወረሱ።


ባሕሪ ረአየት፤ ሃደመትውን፤ ዮርዳኖስ ከዓ ንድሕሪት ተመለሰ።


ኣቲ ባሕሪ፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ ዝሃደምኪ? ኣታ ዮርዳኖስከ እንታይ ኴንካ ኢኻ ንድሕሪት ዝተመለስካ?


እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።


መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ።


ንኤዋውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ካብ ቅድሜኻ ዘሳጕጉ፥ ተናኸስቲ ፅንፅያ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ እየ።


“ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኣብ ኣእዳውካ ኽህበካ እየ፤ ካብ ቅድሜኻ ኸዓ ኽትሰጎም ኢኻ እሞ፥ ሽዑ ወሰንካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፥ ካብ ምድረ በዳ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ክገብሮ እየ።


ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።


ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።


ቀቅድሜኹም ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ፤ ንከነዓናውያንን ንኣሞራውያንን ንኬጢያውያንን ንፈሪዛውያንን ንሓዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ክሰጎም እየ።


ካብ ምድሪ ከነዓን ሸውዓተ መንግስታት ኣጥፊኡ ኸዓ፥ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም።


ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ፥ ካብ ገፅ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ፀንሐት።


“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ ትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ክትኣትውዋ እንተለኹም ከዓ ንኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነዞም ሸውዓተ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ብዙሓት ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም፥


ኢያሱውን በለ፦ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ንሱ ኸዓ ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንኤዋውያንን ንፈሪዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈፂሙ ኸም ዝሰጎም፥ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤


ኵሉ እቲ ህዝቢ ንፈለግ ዮርዳኖስ ፈፂሙ ምስ ተሳገረ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ፦


እቶም ህዝቢ ድማ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ወፁ፤ ብወሰን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጌልገላ ኸዓ ሰፈሩ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ እንሳገር ዘንቀፆ ኸምኡ ኸዓ ንዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ።


እዚኣቶም ምስ ኢያሱን ምስ እስራኤልን ክዋግኡ ብሓደ ኾይኖም ተኣከቡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos