9 “እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይትን ሓያላትን ዝኾኑ ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ስለ ዝሰጐጎም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝበለ የለን።
ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ፥ ደድሕሪ ጣዖታት ብምስዓቡ ብዙሕ ርኹስ ነገር ገበረ።
ኦ ኣምላኽና! ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ፥ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዝሰጐጕካዮም ንኣኣ ኸዓ ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሃብካዮም ንስኻዶ ኣይኮንካን?
መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ።
ተባዚሕኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ ኻብ ቅድሜኻ በብቑሩብ እየ ዘወግዶም።
ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ፥ ካብ ገፅ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ፀንሐት።
ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ኵሎም ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እዩ። ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን ኣህዛብ ክትወርሱ ኢኹም።
ንነገስታቶም ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ስሞም ድማ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክተጥፍኡ ኢኹም። ክሳዕ እተጥፍእዎም ዝኾነ ይኹን ኣብ ቅድሜኹም ክቃወመኩም ዝኽእል የለን። ንዅሎም ክተጥፍእዎም ኢኹም።
ኣብ ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፥ ምሳኻውን ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ።
ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ፥ ንሴሲንን ንኣኪመንን ንተላሚንን፥ ካብ ኬብሮን ኣውፅኦም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኻብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ካብ ቅድሜኹም ከዓ ኸርሕቖም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረበኩም ድማ፥ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።
ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅንዑ።
ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምን ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ካብ ቅድሜና ዝሰጐጎም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፥ ንሕናውን ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” ኢሎም መለሱ።